ተመክሮታት ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ

Tuesday, April 19th, 2016

St. Joseph's Cathedral of Asmara<br/><br/> <p>It is a large Revival First Romanesque style cathedral in the centre of the city of Asmara, Eritrea. It was built in 1922 by the colonial authorities in Italian Eritrea. The building took six years to construct and was consecrated in 1922. The tower rises 52 meters into the sky and it is possible to tour the tower and see fantastic views of the art deco city. </p>

መእተዊ

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዓለምና ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ዝገብር ቃልሲ ብዘደንቕ ወሲኹ ንዕዘብ። ብላዕሊ ላዕሊ ክንጥምቶ ከሎና ጎነጻዊ ኣገባብ ናቱ ዝኾነ ፍሉይ እስትራቴጂን ኣጽዋርን ስለ ዝጥቀም፡ ነቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝለዓለ ቦታ ክወሃቦ ዝግባእ ክመስል ይኽእል'ዩ። ይኹን'ምበር ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ዘየድሊ ዘየቋርጽ ደም ምፍሳስ ደው ኣብ ምባል፡ ኣብቲ ዝድለ ለውጢ ዝያዳ ክነተኵር ኣብ ምግባር፡ ከምኡውን ኣብቲ ህዝቢ ዝያዳ ተቐባልነት ኣብ ምርካብ፡ ዘለዎ ግደ ዝያዳ ተመራጻይ ኣገባብ ቃልሲ ይገበሮ። ልዕሊ ኵሉ ኣብ ክንዲ ኣዕናዊ ሃናጺ ውጽኢት ኣለዎ። ብሃይማኖታዊን ስነ-ሞራላዊን መምዘኒ'ውን ብዅሉ ቅቡል'ዩ።

ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ በቶም ልምሰትን ተንበርካኽነት ዝነጸጉን ግርጭቶም ብዘይ ጎነጽ ክፈትሑ ዝወሰኑን ሰባት ዝካየድ ቃልሲ'ዩ። ኣብዚ መኣዲ-ጽሑፍ (ብሎግ) ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ሃገራትን ብኸመይ ብመገዲ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ፈጺሞም ዘይትንከፉ ዝመስሉ ጨቖንቲ ኣምባገናዊ ስርዓታት፡ ብትብዓት ከም ዝሰዓሩዎም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ መኣዲ-ጽሑፍ ከኣ በብእዋኑ ክውሰኽ፡ ክመሓይሸን ክህብትምን'ዩ።

ኣርእስቲ ጽሑፋት

1. ሌኽ ቫዌንሳ – ምንቅስቓስ ሶሊዳሪስች (ምሕዝነት ሸቃሎ) - ፖላንድ

2. ቀሺ ላስሎ ቶኬስ - ሮማኒያ

3. ሰውራ ስልጣን ህዝቢ - ፊሊፒንስ

4. ዲትሪች ቦንሆፈር - ጀርመን

ሌኽ ቫዌንሳ – ምንቅስቓስ ሶሊዳሪስች (ምሕዝነት ሸቃሎ) - ፖላንድ

“ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ዓወት ክብጻሕ ይከኣል'ዩ። ብታንክታትን ሚሳየላትን ክጭበጥ ይከኣል'ዩ፡ ግና ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ብሓቂ፡ ቅንዕናን ምጒትን ዝስዕር'ቲ ዝበለጸ'ዩ … እዚ እቲ ሓዲሽ ኣጽዋር'ዩ።" - ሌኽ ቫዌንሳ

ቫዌንሳ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ 29 መስከረም 1946 ዓም፡ ኣብ ፖፖዋ፡ ሃገረ ፖላንድ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ-ቤት ተወልደ። ኣብ ቤት-ትምህርቲ ተግባረ ኢድ ምስ ተመረቐ፡ ከም ሰቡ ኣብተን በቲ ዴሳዊ ስርዓት ፋብሪካታት ብብዝሒ ዝህነጸለን ዝነበራ ከተማታት ፖላንድ ኣምርሐ። ካብ 1961 ዓም ክሳዕ 1967 ዓም ኣብ ማእከል ትካል ማሽን መካኒክ ኰይኑ ኣገልገለ። ካብኡ ንኽልተ ዓመት ኣብ ውትህድርና ብምግልጋል ክሳብ ደረጃ ኮርፖራል በጽሐ። ኣብ 1967 ዓም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ግዳዪስክ እተባህለት ከተማ ብሞያ ኤሌክትሪክ ስራሕ ተቖጽረ። ኣብ 1969 ዓም ምስ ዳኑሳ ጎሎስ መርዓ ፈጸመ፡ ሸሞንተ ቆልዑ ከኣ ኣለዎም።

ኣብ ታሕሳስ 1970 ዓም ፈለማ ግዜ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ወደብን እቲ ስርዓትን ባእሲ ተፈጥረ። ቫዌንሳ ኣባል'ታ ብሕጊ እተኣገደት ሽማግለ ኣድማ ነበረ። እቲ ስርዓት ነቲ ኣድማ ምስ ጨፍለቖ፡ ቫዌንሳ ሒደት ኣብ ትሕቲ ቀዪዲ ኣተወ። ኣብ 1976 ዓም ሰራሕተኛታት ወደብ ክውድብ ኣብ ዝፈተነሉ ካብ ስራሕ ተሶጎገ፡ ግዚያዊ ስራሕ እናደለየ'ውን ክናበር ተገደደ፡ ግና ኣብታ ዘይሕጋዊት ምስጢራዊት ናጻ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወደብ ብምጽምባር፡ ምስቶም ተሓለቕቲ ሰራሕተኛታት ብቐጻሊ ይራኸብን ኣብ ምውዳብ ዘይዴሳዊት ማሕበር ይነጥፍን ነበረ። ኣብቲ እዋን ኣባላት ጸጥታዊ ክፍሊ'ቲ ስርዓት ብጽኑዕ ይኸታተሉዎን በተደጋጋሚ ይኣስሩዎን ነበሩ።

ኣብ ነሓስ 1980 ዓም ኣስታት 17,000 ሰራሕተኛታት ወደብ ግዳዪስክ ኣድማ ገበሩ። ኣብ 1970 ዓም ኣብ ዝገበሩዎ ኣድማ ንጎደና ገጾም ስለ ዝወጹ፡ ብቐሊሉ ኣደዳ ፖሊስ ዀይኖም ነበሩ፡ ሕጂ ግና ነቲ ቀጽሪ ወደብ ጥራይ ክቖጻጸሩዎ ወሰኑ። ነቲ ኣፍደገ ዓጺዮም ከኣ፡ ካብቲ መካበቢያ ምውጻእ ኣበዩ። እቲ ስርዓት ብሰንኪ'ቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ወደብ ከብርሶ ኣይደፈረን። ቫዌንሳ ካብ ግዳም እናጎየየ በቲ ሓጹር ዘሊሉ ኣብቲ ወደብ ኣተወ፡ በቶም ሰራሕተኛታት'ውን ድሙቕ ኣቐባብላ ተገብረሉ። ኣብ እዋን'ቲ ኣድማ ስድራ-ቤታት በቲ ሓጹር ኣስሊኾም ነቶም ሰራሕተኛታት ምግቢ ይህብዎም ነበሩ። መብዛሕቶም እቶም ኣድመኛታት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊኽ ስለ ዝነበሩ፡ ኣቕሽሽቲ ምእንቲ ቅዳሴ ክቕድሱ ክብሉ ነቶም ሰራሕተኛታት ተሓወሱዎም። ቫዌንሳ ኣብቲ ወደብ መራሒ'ታ ነቲ ኣድማ እተወሃህድ ሽማግለ ኮነ። ፈለማ እቲ ኣድማ ብዛዕባ ወሰኽ መሃያ ነበረ፡ ግና ቫዌንሳ ኣብ ዝዓበየ ራእይ ክጥምቱን ናጻ ማሕበር ሸቃሎ ክምስረት ፖለቲካዊ ጠለብ ክሓቱን ተላበዎም።

ኣብ መወዳእታ ስርዓት ፖላንድ ምስቶም ብቫዌንሳ ዝምርሑ ዝነበሩ ሰብ ኣድማ ኣብ ዘተ ክእትው ተገደደ። ኣብ 31 ነሓሰ 1980 ዓም እቶም ሰራሕተኛታት ናቶም ናጻ ማሕበርን መሰል ኣድማ ክገብሩ ዘፍቕድን ብግዳዪስክ ስምምዕ ዝፍለጥ ውዕል ተፈራረሙ። ኣብቲ ወደብ እተላዓለ ኣድማ ኣብ ምሉእ ፖላንድ ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ክሓብሩዎ ኣለዓዓሎም፡ ስለዚ'ውን ነቲ ኣድማ ዘወሃህድ ካብ ፋብሪካታት እተሓረየ ሽማግለ ተመስረተ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ምንቅስቓስ ትድግፎ ስለ ዝበረት፡ ወላ'ውን ኣብ ልዕሊኡ ብስርዓት ፖላንድ ሕጋዊ ማዕቀብ እንተ ተገብረ፡ ቫዌንሳ ኣብ ጥሪ 1981 ዓም፡ ብጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ቫቲካን ምውቕ ኣቐባብላ ተገብረሉ። ቫዌንሳ ወትሩ ንካቶሊኻዊት እምነቱ ከም ምንጪ ብርታዐን ደፋኢ ሓይሊን ይሓስቦ ነበረ። ቫዌንሳ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ምውዳቕ ዴሳዊነት ዓቢን መሰረታዊን ግደ ከም ዝነበሮም ይገልጽ። ቫዌንሳ ካብ 1980 ዓም ክሳዕ 1981 ዓም ኣብ ሃገራት፥ ጥልያን፡ ጃፓን፡ ፈረንሳን ሲዊዘርላንድን ከም ዕዱም ዓለም ለኻዊ ማሕበር ሸቃሎ ኰይኑ መገሻ ፈጸመ።

ድሕር'ቲ ኣብ ግዳዪስክ እተገብረ ዕውት ኣድማ፡ ኣብ ምሉእ ፖላንድ ዝርከቡ ወከልቲ ማሕበር፡ ኣኼባ ብምክያድ ሶሊዳርኖስች (ምሕዝነት) እተባህለ ናጻ ማሕበር ሸቃሎ መስረቱ። እቲ ማሕበር መብዛሕቶም ሸቃሎ ፋብሪካታት ፖላንድ ብዝርከቡዎ ቁጽሪ ኣባላቱ ኣስታት 10 ሚሊዮን በጽሐ። ምስኡ ዝዛመድ ሶሊዳርኖስች ገጠር እተሰምየ ማሕበር ሓረስቶት'ውን ተመስረተ። ቫዌንሳ ኣብ መስከረም 1981 ዓም ኣብ ግዳዪስክ ኣብ እተገብረ ቀዳማይ ሃገራዊ ምሕዝነት ጉባኤ ኣቦ መንበር ኰይኑ ተመርጸ።

ኣብ ታሕሳስ 1981 ዓም፡ ሓይሊ ሶሊዳርኖስች እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሕብረት ሶቬት ንዕኡ ንምጭፍላቕ ወራር ክተካይድ ትኽእል'ያ፡ ብዝብል ስግኣት፡ ጀነራል ቮጅቼይች ዮሪዞልስኪ ነቲ ሒደት እዋን ዝጸንሐ ብመንጸር ናጻ ሃዋህው ደው ኣቢሉ፡ ኣብ ምሉእ ፖላንድ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣወጀ። ሶሊዳርኖስች ተኣገደ፡ ብዙሓት ካብ መራሕቱ'ውን ተኣስሩ። ቫዌንሳ ምእንቲ ምስ ካልኦት ሰባት ከይራኸብ፡ ን 11 ወርሒ ኣብ ርሑቕ ስፍራ ተኣስረ።

ቫዌንሳ፡ ኣብ ሕዳር 1982 ዓም፡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ኣብቲ ቅድም ዝሰርሓሉ ዝነበረ፡ ኣብ ግዳዪስ ወደብ ከም ዝምለስ ተገብረ፡ ግና ወርትግ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ነበረ። ይኹን'ምበር ምስቶም ካልኦት ተሓለቕቲ ማሕበር ብምስጢር ክራኸብ ክኢሉ ነበረ። ዋላውን ኣብ ሓምለ 1983 ዓም እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብዕሊ እንተ ተላዕለ፡ እቲ ምቑጽጻር ግና ደው ኣይበለን ነበረ።

ኣብ ጥቅምቲ 1983 ዓም ሽልማት ኖቤል ሰላም ንቫዌንሳ ተወሃቦ፡ ፍናን'ቲ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ'ውን ክብ በለ፡ ይኹን'ምበር መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ዮሪዞልስኪ ኣንጻር'ቲ ሽልማት ጸለመ ዘርግሑ። ቫዌንሳ፡ "ካብ ፖላንድ እንተ ወጺኤ እቲ ስርዓት ክምለስ ኣየፍቕደለየን'ዩ፣" ብዝብል ስግኣት፡ ከክንድኡ ሰበይቱ ነቲ ሽልማት ክትቕበል ለኣኻ። ሶሊዳሪስች ሳላ ዓለም ለኻዊ ኣትኲሮ እተወሃቦ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ቃልሱ ክቕጽል ከኣለ።

ቁጠባዊ ኩነታት ፖላንድ እናገደደ ምስ ከደ፡ ተቐባልነት ስርዓት ዮሪዞልስኪ ዝያዳ ኣንቆልቆለ። ሚካኤል ጎርባቾቭ ኣብ ሞስኮ ጽገናዊ ለውጢ ምስ ጀመረ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ፖላንድ ብወገን ሶሊዳሪስች ዝግበር ጸቕጢ ወሰኸ። ምምሕዳር ሚካኤል ጎርባቾቭ፡ ብሕብረት ሶቬት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዴሳውያን ሃገራት ዝነበረ ጽልዋ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምዕቃብ ድሌት ኣይነበሮን።

ኣብ 1988 ዓም ቫዌንሳን እቲ ንሱ ዝመርሖ ሶሊዳሪስችን ርእሰ ተኣማንነቶም ዛይዱ ንወደብ ግዳዪስክ ዳግም ተቖጻጸሩዎ። ዮሪዞልስኪ ምስ ቫዌንሳን ሶሊዳሪስችን ክዘራረብ ተገደደ። ሶሊዳሪስች ሕጋው ኣካል ኮነ፡ ስርዓት ፖላንድ ንፈለማ ግዜ ኣባል ዴሳውያን ዘይኰኑ ሰባት'ውን ዝሳተፉዎ፡ ክፋል ምርጫ ባይቶ ክግበር ምስቲ ማሕበር ተሰማምዐ።

ኣብ ሰነ 1989 ዓም፡ ሶሊዳሪስች ዝደገፎም ሕጹያት፡ ብጀካ'ቲ ንሰልፊ ዴሳውያን ብወግዒ እተዓቀበን እንትርፎ ኣብ ሓደን፡ ኣብቲ ካልእ ብምሉኡ ብምዕዋት ብዓብላልነት ሰዓሩ። መጀመርያ ግዜ ካብ ዴሳውያን ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ኣማኻሪ ሶሊዳርስች ዝኾነ፡ ታዳውሽ ማዛቬይስኪ እተባህለ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ከኣ ተመርጸ፡።

እቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ፍጹም ደው ክብል ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በጽሐ። ቫዌንሳ ኣብ ሚያዚያ 1990 ዓም ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሶሊዳሪስች 77% ድምጺ ብምርካብ ኣቦ መንበር ኰይኑ ተመርጸ። ኣብ ታሕሳስ 1990 ዓም፡ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዝካ ንመጀመርያ ግዜ ሓፈሻዊ ናጻ ምርጫ ኣብ ፖላንድ ተኻየደ። እቲ ነቲ ሰውራ ዘበገሰ ኣድማ ዝመርሐ ሰብ ሞያ ኤሌትሪክ'ውን፡ ኣብ ድሕረ ዴሳዊት ፖላንድ፡ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሪፓብሊክ ኰይኑ ተመርጸ።

ሳላ ፖላንድ ንዴሳውነት ነጺጋ እተዓወተት፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ውሕጅ ለውጢ ተፈነወ። ከይደንጎየ ስርዓት ምብራቕ ጀርመን ወደቐ፡ መንደቕ በርሊን'ውን ፈረሰ። ደቂ ቼክ ብ 'ህዱእ ሰውራ' ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ለውጢ ኣካየዱ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበረ ቀጽሪ ዴሳውነት'ውን ተሓምሸሸ። ዘመነ ዝሑል ኲናት ኣብቐዐ፡ ኣብ 1991 ዓም ከኣ ሕብረት ሶቬት ተመቓቐለ። ኣብ ታሪኽ ካብቶም ዝዓበዩ ግዝኣታት ሓደ፡ ዳርጋ ብቫዌንሳ ዝመርሖ ዝነበረ ማሕበር ብዝተበገሰ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ ተሓምሸሸ።

ቫዌንሳ፡ ኣብ ሕዳር 1995 ዓም፡ ካልኣይ እዋን ኣብ እተገበረ ምርጫ፡ ፕረዚደንት ክኸውን ኣብ እተወዳደረሉ ብጸቢብ ተሳዕረ። ብሃርቫድ ዩኒቨርሲቲን ብዩኒቨርሲቲ ፓሪስን ብኽብሪ ዲግሪ ተወሃቦ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መዳልያ ናጽነት፡ ኣብ ሃገረ ኖርዌይ ሽልማት ናጻ ዓለም፡ ኣብ ኤውሮጳ ሽልማት ሰባኣዊ መሰላት ተወሃቦ። ኣብዚ እዋን ብመገዲ ዝመስረቶ "ትካል ሌኽ ቫዌንሳ" ኣብ ምሉእ ዓለም እናዞረ ምስ ዲሞክራሲ ዝተኣሳሰር ትምህርታት ይምህር ኣሎ።

ምንጪ፥

  1. Lech Walesa – Biographical – The Offcial Website of the Nobel Prize
  2. Poland’s Solidarity Movement (1980-1989) – International Center on Nonviolent Conflict

- ብመ

ቀሺ ላስሎ ቶኬስ - ሮማኒያ

ላስሎ ቶኬስ፡ ቀሺ ሃንጋሪያዊት ተሓድሶ (ካልቪናዊ) ቤተ-ክርስትያን ነበረ። ወዲ 34 ዓመት ከሎ፡ ኣብ ቲሚሹኣራ ሰበኻ ጉባኤ ኣብ 1986 ዓም ከም ካልኣይ ቀሺ ተሼሙ። ኣብ 1987 ዓ.ም. እቶም ቀንዲ ቀሺ ብሞት ምስ ተፈለዩ ኣመሓዳሪ እቲ ሰበኻ ጉባኤ ኮነ።

ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ እተገብረ ቈጸራ-ህዝቢ፡ 1.6 ሚሊዮን ካብ ዓሌት ሃንጋሪ ዝኾኑ ሰባት፡ ዜጋታት ሮማኒያ ነበሩ። እዚ ካብ'ቲ ጠቕላላ ህዝቢ 7.1% ነበረ። ኣብ ቲሚሹኣራ ካብ'ቲ ህዝቢ 9% ካብ ዓሌት ሃንጋሪ ነበሩ። እዞም ካብ ዓሌት ሃንጋሪ ዝኾኑ ሰባት፡ ገሌኦም ካቶሊኽ፡ ገለ ከኣ ካብ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ነበሩ።

ላስሎ ቶኬስ ቅድሚ ኣብ ቲሚሹኣራ ምሻሙ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ማእከላይ ትራንሲልቫኒያ ኣብ ዝርከብ፡ ዴጅ እተባህለ ከተማ ከሎ፡ ምስ'ቶም ሰበ-ስልጣናት ጸገም ነበሮ። "ኤሌንፖንቶክ" እተባህለ፡ ብቋንቋ ሃንጋሪ ኣብ ዝዳሎ፡ ኣብ ሮማኒያ ኣብ ዝፍጸም ዝነበረ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኩር፡ እተኣገደ መጽሔት ኣብ ምሕታም ተሳቲፉ ነበረ። ብሰንኪ'ዚ ኣብ 1983 ዓ.ም. ካብ ስራሕ ተሰጒጉ፡ ክልተ ዓመት ሽቕለተ-ኣልቦ ኾይኑ ኣሕልፎ። ከተማ ዴጅ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰበኻ ኣቡን ክሉዥ ነበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ቶኬስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣቡን ሰበኻ ኦራዴኣ ኣብ ዝመሓደር፡ ኣብ ቲሚሹኣራ እተባህለ ስፍራ ጥራይ ስራሕ ረኸበ።

ኣብ ሮማኒያ እትርከብ ሃንጋሪያዊት ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን፡ ክልተ ሰበኻ ኣቡን ኣለዋ፡ እቲ ሓደ ኣብ ክሉዥ፡ እቲ ካልእ ከኣ ኣብ ኦራዴኣ ነበረ።

ኣብ ጥቅምቲ 31፡ 1988 ዓ.ም.፡ ሃንጋሪያዊት ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን፡ ካብ ሰበ-ስልጣናት ዴሳውያን ፍቓድ ከይረኸቡ፡ ባህላዊ ምርኢት ኣዳለዉ። ዋላ'ውን እቲ ምርኢት ነቲ ስርዓት ብግሉጽ ዝጻረር እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ጸሊም መዝገብ'ቶም ሰበ-ስልጣናት እተመዝገቡ ገለ ስነ-ጥበበኛታት፡ ግጥምታት ብምንባብ ተሳቲፎም ነበሩ። እቶም ሰበ-ስልጣናት ነቶም ኣዳለውቲ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ምርኢት ክልኩል ምዃኑ ኣትሪሮም ገለጹሎም።

ሽሕ'ኳ እቶም ሰበ-ስልጣናት እንተ ኣጠንቀቑ፡ እቶም ኣዳለውቲ፡ ኣብ ታሕሳስ 4፡ 1988 ዓ.ም.፡ ካልኣይ ተመሳሳሊ ምርኢት ኣዳለዉ። እቶም ኣዳለውቲ ኣባላት ተሓድሶ (ካልቪናዊ) ቤተ-ክርስትያን ላስሎ ቶኬስን ኣባላት ብ "ታሊያ" እትፍለጥ ጉጅለ ኣማተር ተዋስኦን ነበሩ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ነታ "ብታሊያ" እትፍለጥ ብዓሌት ደቂ ሃንጋሪ ዝቖመት ጉጅለ ኣማተር ተዋስኦ ፋሕፋሕ ኣበሉዋ። ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ኣብ ሮማኒያ እንኮ ማሕበር ተመሃሮ፡ "ማሕበር ዴሳውያን ተመሃሮ" ነበረ። እታ ብታሊያ እትፍለጥ ጉጅለ፡ ደገፍ ስንቂ ብመገዲ'ዚ ማሕበር ትወሃብ ነበረት። ድሒሩ ነቶም ኣብ ካልኣይ ባህላዊ ምርኢት ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን እተሳተፉ ኣባላት'ታ ጉጅለ ብምልጋስ፡ "ታሊያ" ከም ብሓዲሽ ተወደበት።

ላስሎ ቶኬስ ኣብ ኣቡን ኦርዴኣ ደብዳበ ጸሓፉ። ኣብኡ፡ ነቶም ብሰንኪ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ዘዳለወቶ ምርኢት ምስታፎም ካብ'ታ ጉጅለ እተነጸሉ ኣባላት "ታሊያ" ደገፍ ክግበረሎም ሓተቱ። እቲ ደብዳበ፡ ኣብ ግንቦት 1989 ዓ.ም.፡ ኣብ ራድዮ ቡዳፔስት ተነበበ፡ ብሰንኪ'ዚ ስም ላስሎ ቶኬስ ብብዙሓት ተፈልጠ።

ብዙሓት ካብ ዓሌት ሃንጋሪ ዝኾኑን ካልኦት ብዙሓት ቋንቋ ሃንጋሪ ዝሰምዑ ደቂ ሮማኒያን፡ ንራድዮ ቡዳፔስት ይከታተሉ ነበሩ።

ቶኬስ መንግስቲ ዘውጽኦ መደብ ኣተሓሕዛ ገጠር'ውን ይቃወም ነበረ። እዚ መደብ ብቻውቼስኮ ባዕሉ፡ ደቂ ሮማኒያ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱ፡ ኣብ ዓበይቲ ቁሸት ክነብሩ ዝበለጸ'ዩ፡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተመርኲሱ ዘዳለዎ ነበረ። እቲ ዕላማ ሽቶኡ ክወቅዕ፡ ብዙሓት ናእሽቱ ቁሸታት ከዓንዋ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓበይቲ ሰፈራታት፡ ኣብ ሓዲሽ ገዛ ክግዕዝ ተመዲቡ ነበረ። ነቶም ሰበ-ስልጣናት ርእይቶ እቲ ዝግዕዝ ህዝቢ የገድሶም ኣይነበረን። ንዓታቶም ካብ'ቲ ብመገዲ ፕሮፓጋንዳ፡ "ብብልሂ ካርፓቲያን" ዝጽዋዕ፡ ኒኮላይ ቻውቼስኮ እተዳለወ ንድፊ፡ ዝኾነ ካልእ ሰብ እተፈለየ ሓሳብ ክሓስብ፡ ካብ ዓቕሚ ርድኢቶም ወጻኢ ነበረ።

ከይደንጎየ፡ ብደገፍ ሃንጋሪ ተለቪዥንን ራድዮ ናጻ ኤውሮጳን፡ ብቋንቋ ሮማኒያ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ፕሮግራም፡ ቶኬስ፡ ካብ'ቶም ኣብ ሮማኒያ ዝነበሩ ውሩያት ተቓወምቲ ሓደ ኮነ። ተለቪዥን ሃንጋሪ ምስ ቶኬስ ዘካየዱዎ ቃለ-መሕትት የመሓላልፉዎ ነበሩ። ኣብ ቲሚሹኣራ፡ እቲ ካብ ዶብ ሃንጋሪ ርሑቕ ዘይኮነ፡ ተለቪዥን ሃንጋሪ፡ ኣዚዩ ህቡብ ነበረ። እቲ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቃለ-መሕትት፡ ኣውራ መልእኽቱ ኣምባገነንነትን ነቲ ኣምባገነን ቻውቼስኮን ኣይንድግፍን ኢና፡ ዝብል ነበረ። ቶኬስ ኣብ ዘገልግለሉ ቤተ-ክርስትያን ዝመጽእ ህዝቢ እናወሰኸ ከደ። ኣብ እዋን ቀውዒ፡ 1989 ዓ.ም.: ዋላ'ውን ኣባላት ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ዘይኮኑ ስብከቱ ክሰምዑ ይመጹ ነበሩ።

ግብረ-መልሲ እቶም ሰበ-ስልጣናት'ውን ከይደንጎየ ተቐልቀለ። ኣብ ልዕሊ ቶኬስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ነቶም ኣዕሩኽቱ'ውን ከጨንቕዎም ጀመሩ። ጋዝዳ ኣርፓድ ዝተባህለ ቀረባ ዓርኪ ላስሎ ቶኬስ፡ ከም'ዚ ብምባል ምስክርነቱ ሂቡ፥ "ኣብ ክራማት 1989 ዓ.ም. ኣትሒዙ፡ በቶም ሰበ-ስልጣናት ዝፍጸም ጸቕጢ እናተጋህደ ከደ። ፖሊስ ነቶም ኣብ እንዳ ላስሎ ቶኬስ ዝኣተዉ ሰባት ብኣትኩሮ ይዕዘቡዎም ነበሩ። እቶም ፖላይስ ብተደጋጋሚ ወረቐት መንነተይ ብምሕታት፡ ዓሰርተታት ግዜ ስመይ ኣብ መዘከሪ ወረቐቶም ይምዝግብዎ ነበሩ። ፈለማ ኣብ ቅድሚ'ቲ ገዛ ወረቐት መንነት ኣይሓቱን ነበሩ። ዳርጋ ሰዓትን ፈረቓን ደድሕረይ ብምስዓብ፡ ኣብ ካልእ ክፋል'ቲ ከተማ ይሓቱኒ ነበሩ። እዚ ተርእዮ ነቶም ኩሎም ንቶኬስ ዝበጽሕዎ ሰባት የጓንፍ ነበረ። ዝተፈላለየ ዓይነት ጸቕጢ ይግበር ነበረ። ኣብ ምፍርራህ ዘተኮረ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ነበረ። ሓደ ግዜ ኣሲሮም ኣብ እንዳ ፖሊስ ቤት-ጽሕፈት ወሰዱኒ። ቅድሚኡ መዓልቲ ኣበይ ከም ዝነበርኩን ኣብ ድኳን ኣብ እተፈጸመ ስርቂ ከም እተጠርጠርኩን ብምሕባር፡ ኣብኡ ፍርቂ መዓልቲ ኣጽንሑኒ። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሎጎ እተባህለ ስፍራ ብስራሕ ተቐዪረ (ካብ ቲሚሹኣራ 50 ኪሜ)። መዓልታዊ ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ስራሕ ክመላለስ ተገዲደ። ብርግጽ ከኣ ኣጸጋሚ ነበረ። ካልኦት ኣዕሩኽ ቶኬስ'ውን፡ ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሑዎም ነበረ። ሓደ ኣብ ቡካሬስት ተቐዪሩ፡ ባላቶን ዞልታን ቫርጋ ላጆስን ዝተባህሉ ክልተ ሓካይም ከኣ፡ ኣብ 800 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ፡ ቼርናቮዳ ኣብ ኣተባህለ ስፍራ ተላኢኾም።"

ይኹንምበር፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ንቶኬስ ብጋህዲ ብምኽንያት ፖለቲካ ክኸስዎ ኣይደለዩን፡ እኳ ደኣ ከምቲ ልሙድ ዝገብሩዎ፡ ብመገዲ ሞያኡ ከጨንቕዎ መረጹ።

ኣቡን ኦራዴኣ፡ ላስሎ ፓፕ፡ ብጸቕጢ እቶም ሰበ-ስልጣናት፡ ንቶኬስ ኣብ ሰሜናዊ ትራንሲልቫኒያ ኣብ እትርከብ፡ ሚኔኡ ኣብ እተባህለት ቁሸት ክቕይርዎ ወሰኑ። ኣብ'ታ ንእሽቶ ቁሸት፡ ቶኬስ ንጹል ስለ ዝኸውን ኣየስግኣናን ብምባል ሓሲቦም ነበሩ። እቶም ኣቡን ኣብ ቲሚሹኣራ ኣብ ክንዲ ቶኬስ ካልእ ማካይ ቦቱንድ ዝተባህሉ ቀሺ ሼይሞም።

ቶኬስ ነቲ ምቕያር ኣይተቐበሎን። እቶም ኣብ ሰበኻ ጉባኤኡ ዘለዉ ምእምናን'ውን ደገፍዎ። ብሰንኪ'ዚ እቶም ኣቡን ደሞዙ ምኽፋል ኣቋረጹ። እንተኾነ ግን እቶም ኣባላት ሰበኻ ጉባኤኡ፡ ብምግብን ብኻልእ ዘድልዮ ነገራትን ይድግፍዎ ነበሩ። እቲ ስርዓት ንገለ ካብ ደገፍቲ ቶኬስ ኣሰረ። ኣብ መስከርም 14 ሓደ ኤርኖ ኡጅቫሮሲ ዝተባህለ ሰብ'ውን፡ ካብ ቲሚሹኣራ ወጻኢ ኣብ ዱር ተቐቲሉ ተረኽበ። ኣቦኡ ንቶኬስ'ውን ቅሩብ እዋን ተኣሲሮም ተፈትሑ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣቡን፡ ቶኬስ ነቲ መንበሪ ገዝኡ ሓዲጉ ክወጽእ ዝእዝዝ ክሲ መስረቱሉ። እቲ ገዛ ኣብ ማእከል ቀጽሪ'ቲ ቤተ-ክርስትያን ዝርከብ፡ ንብረት ቤተ-ክርስትያን ነበረ። ኣብ'ቲ እዋን ኣርባዕተ መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት፡ ካራ ሒዞም መስኮት'ቲ ገዛ ሴሮሞ ብምእታው፡ ንቶኬስን ኣዕሩኽቶምን ተቓለሱዎም። እቶም ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ'ቲ ስርዓት'ውን እናረኣዩ ከም ዘይረኣዩ ኣጽቐጡ።

እቶም ዳኛ፡ ቶኬስ ክሳዕ ታሕሳስ 15፡ 1989 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ መንበሪ ገዝኡ ሓዲጉ ከወጽእ፡ ኣይኮነን ብሓይሊ ክወጽእ ክግበር ወሰኑ።

ሰንበት ታሕሳስ 10፡ ቶኬስ፡ ኣብ እዋን ኣገልግሎት ስብከት ቤተ-ክርስትያን፡ ብታሕሳስ 15 መንበሪ ገዝኡ ሓዲጉ ክወጽእ ከም እተኣዘዘ ገለጸ።

ታሕሳስ 15፡ ገለ ሒደት እኩባት ደገፍቲ ቶኬስ፡ ኣብ ጥቓ'ታ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ተኣከቡ። ኣጋ ምሽት እቲ ቁጽሪ ኣስታት 200 ሰብ በጽሐ። ሞት እተባህለ ከንቲባን ሮታሬስቹ እተባህለ ኣቦ መንበር "ግንባር ዲሞክራሲን ማሕበራዊ ሓድነትን" ምስ'ቲ ህዝቢ ክዝትዩ መጹ። ነቲ ጉዳይ ከዝሕልዎ'ውን ደለዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክኸይድ እንተ ሓቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ ቶኬስ ዝግበር ምጭናቕ ደው ከብልዎ ምዃኖም ተመባጽዑ። ብርግጽ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ክኸይድ ተሓበረ። ብመሰረት ድሒሩ ቶኬስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ እቶም ደገፍቱ ኣብ ገገዝኦም እንተ ዝኸዱ፡ ቶኬስ መንበሪ ገዝኡ ሓዲጉ ከም ዘይወጽእ፡ ከንቲባ ሞት ኣብ ታሕሳስ 16 ብጽሑፍ ክመባጻዕ ተዳሊዩ ነበረ።

ቶኬስ ብመሰረት'ቲ ምስ'ቶም ስበ-ስልጣናት ዝኣተዎ ውዕል፡ ነቲ እኩብ ህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ክኸይድ ክሕብሮ ደሊዩ ነበረ፡ እንተኾነ ግን እቲ ጉዳይ ድሮ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ነበረ።

ጽባሒቱ እቲ ህዝቢ ጥቓ'ታ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ተኣከበ። ጉዳይ ቶኬስ ኣብ'ቲ ከተማ ተወርየ፡ ብዙሓት'ውን ገለ ህንጡያት ዝርከብዎም፡ ብዛዕብኡ ከጻርዩ መጹ። ካብ ዓሌት ሮማኒያ ዝኾኑ መናእሰይ'ውን፡ ነቶም ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ተሓወስዎም። መንበሪ ገዛ ቶኬስ፡ ብሰባት ነንሕድሕዱ ብእተታሓሓዘ ሰንሰለት ከበቡዎ። እቶም ሚሊሻ'ውን ጥሒሶም ክኣትው ኣይኸኣሉን።

እቲ ከንቲባ ድሕሪ ነዊሕ ዘተ፡ እቲ እኩብ ህዝቢ ሰዓት 5 ኣጋ ምሸት እንተ ዘይተበቲኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብመጥፋእቲ ሓዊ ዝፍኖ ማይ ክወርድ ምዃኑ ኣጠንቀቐ። እቲ ህዝቢ ስለ ድሕነቱ ክብል ኣብ ገዝኡ ክኸይድ ብቶኬስ ዝቐርበሉ ምሕጽንታ'ውን ክሰምዕ ኣይደለየን። በንጻሩ ቶኬስ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ኣብ'ቲ ጎደና ምስኦም ክሕወስ ሓበሩዎ። ቶኬስ ግና ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ መረጸ። እቶም ሰላማዊ ሰልፈኛታት ጉዳዩ ጥራይ ክፈትሑ ኣይደለዩን። ኣብ እዋን ምሸት ሰማኒያ ሚእታዊት ኣብ ጥቓ'ታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ እኩብ ህዝቢ፡ ካብ ዓሌት ሮማኒያ ነበረ።

ሰዓት 5 ብዘይ ማይ መጥፋእቲ ሓዊ ሓለፈ። ሰዓት 7 ምሸት ቁጽሪ'ቲ እኩብ ህዝቢ ወሰኸ፡ ተመሃሮ ፖሊቴክኒክን ዩኒቨርሲቲን እውን ተሓወስዎም። ፈለማ መንፈሳዊ መዛሙር ይዝምሩ ነበሩ፡ ከባቢ ሰዓት 7:30 ግና "ዴስታፕታ-ቴ ሮማኔ!” ("ኦ ሮማኒያ ተለዓል!”) ዝብል፡ ኣብ 1947 ዓ.ም.፡ ብዴሳዊ ሰልፊ ሮማኒያ እተኣገደ ሃገራዊ መዝሙር ክዝምሩ ጀመሩ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ዕልዋ ተሰጋገረ። ኣንጻር ስርዓት ቻውቼስኮ ዝገልጽ ጭርሖታት ክጭርሑ'ውን ጀመሩ፥ "ውድቐት ነቲ ስርዓት!" ከምኡውን "ውድቐት ንዴሳውነት!" ብምባል ብዓውታ ጨደሩ። ስርዓት ቻውቼስኮ ክወርድ'ውን ጠለቡ።

እቲ ህዝቢ ካብ'ቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያንን መንበሪ ገዛ ቶኬስን ብምውጻእ፡ ነቲ ድልድል ሰጊሩ ኣብ ማእከል ከተማ ገጹ መረሸ። ኣብ'ቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዴሳውያን ብምኻድ ከኣ፡ እምኒ ክስንድው ጀመረ፡ ይኹን'ምበር በቶም ሚሊሺያ ተደፊኡ ኣብ'ቲ ቤተ-ክርስትያን ገጹ ተመልሰ። ከባቢ ሰዓት 10 ምሸት፡ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ ማይ ክኹዑ ጀመሩ። እቲ ህዝቢ ነቶም መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ብእምታው፡ ነቲ ቱቦታት ማይ ሴሩ ኣብ ማእከል'ቲ ሩባ ደርበዮ። ሓፈሻዊ መንፈስ ዕልዋ'ውን ተቐጻጸለ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ መዓልቲ ቀጸለ። ሰንበት ታሕሳስ 17፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ ጠያይቲ ተኮሱ፡ ኣስታት 93 ሰብ'ውን ተቐትለ። ወረ'ቲ ተቓውሞን ጎነጻዊ ግብረ-መልሲ እቲ ስርዓትን፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ሮማኒያ ብቕልጡፍ ተዘርገሐ፡ መጠን'ቲ ተቓውሞ'ውን ወሰኸ። ብመገዲ'ዚ ብቕልጡፍ ዝደየበ ሰውራ ደቂ ሮማኒያ፡ ኣብ 1989 ዓ.ም.፡ እቲ ነቕ ዘይብል ዝመስል ዝነበረ መዝነት ቻውቼስኮን ስርዓት ዴሳውነትን ተገምጠለ። ቻውቼስኮን ኢሌና ዝተባህለት ሰበይቱን፡ ብሄሊኮፕተር ጌሮም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ ብወተሃደራት ተታሕዙ። ኣብ ታሕሳስ 25፡ ብሃታሃታ ብምጽናት ህዝቢን ብሸርሒ ምዕናው ቁጠባ ሮማኒያን ተኸሲሶም ብሞት ተፈርዱ። እቲ ፍርዲ'ውን ኣብ'ታ መዓልቲ ተግባራዊ ኾነ።

ብድሕሪኡ ቶኬስ ኣብ ኪራሊሃጎሜሌክ እተባህለ ኣውራጃ ኣብ ዝርከብ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ኣቡን ኮይኑ ተሸይመ። ኣብ 2007 ዓ.ም.፡ ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ክኸውን ብምውድዳር ተመርጸ። እንደገና ኣብ 2010 ዓ.ም.፡ ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ኾይኑ ስለ ዝተመረጸ ኣብኡ የገልግል ኣሎ።

- ብመ

ሰውራ ስልጣን ህዝቢ - ፊሊፒንስ

ኣብ 1972 ዓም፡ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ደድሕሪ ወተሃደራዊ ምሕደራ ምእዋጁ፡ መራሒ ተቓውሞ ስርዓት ማርቆስ ዝነበረ፡ ሴኔተር ቤኒኖ ሳይሞን ኣኲኖ ጁኒየር (ኒኖይ)፡ ምስ ካልኦት ኣባላት ጒጅለ ተቓወምቲ፡ ሾብዓተ ዓመት ተኣስረ። ኣኲኖ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከሎ፡ ግዜ ወሲዱ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ጋንዲን ብዕሙቐት ብምምርማር፡ ኣገባብ ፓለቲካዊ ቃልሱ ፍጹም ለወጠ። ኣንጻር ምልክነት ኣብ ዝግበር ቃልሲ'ውን፡ ተሓላቒ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ክኸውን ገበሮ።

ኣብ 1980 ዓም፡ ኣኲኖ ሕማም ልቢ ምስ ኣጓነፎ፡ ብምኽንያት ሕክምና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክኸይድ ተፈቐደሉ። ስለዚ ብውሳኔኡ ኣብ ስደት ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሃገሩ ክምለስ ወሰነ። ዋላ'ውን ብስርዓት ማርቆስን ብደገፍቲ'ቲ ስርዓትን ከይምለስ መጠንቀቕታ እንተ ተወሃቦ፡ ኒኖይ ግና ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝኽእል ቅትለት ኣመልኪቱ፥ "ስለ ደቂ ፊሊፒንስ ክትብል ምሟት ክብሪ'ዩ።" በለ። ኣብ 1983 ዓም፡ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ኣብ ዝምለሰሉ፡ ኣብ ማኒላ ዓለም-ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ልዕሊኡ ቅትለት ተፈጸመ። ብሰንኪ'ዚ ኣንጻር ስርዓት ማርቆስ ዝግበር ምንቅስቓሳት ብናህሪ ወሰኸ። ንሱ ምስ ተቐትለ፡ ሚሊዮናት ደቂ ፊሊፒንስ፡ ነቲ ዘይጎነጻዊ መንገዲ ተቓውሞ ምሉእ ብምሉእ ሰዓቡዎ።

ኣብ 1984 ዓም፡ ኣብ ከተማ ማኒላ፡ ኣብ ማእከል ድኻታት ዘገልግላ ዝነበራ፡ ብ "ማሕበር ናእሽቱ ኣሕዋት የሱስ" ዝፍለጣ ፈለስቲ፡ ብውልቃዊ ተበግሶአን ኣብ ኤውሮጳ ምዝነበሩ ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም መማህራን ርክብ ብምፍጻም፡ ኣብ ፊሊፒንስ መጺኦም ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገምጋም ክገብሩ ሓተታኦም። እቶም ሰባት'ውን ነቲ ዝቐረበሎም ጻውዒት ተቐቢሎም ኣብ ፊሊፒንስ ብምምጻእ፡ ምስ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን (ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ እቲ ህዝቢ ተስዓ ሚእታዊት ኣማኒ ክርስትና'ዩ) ተራኸቡ፡ ኣብ'ቲ ርክብ'ውን ምልክነት ዝቓወም ዘይጎነጻዊ ምንቅስቓስ ክምስረት ከም ዝግባእ ተሰማምዑ። ነቲ ምንቅስቓስ'ውን "ስልጣን ህዝቢ" ብምባል ጸውዕዎ።

ኣብ ማእከል ካቶሊካውያን፡ ከንሻ፡ ኣመንቲ ምስልምናን ካልኦት ፍሉይ እምነት ዘይብሎምን፡ ቤት ዕዮታት ተዳለወ፡ ኣቕሽሽትን ምእምናንን፡ ተመሃሮ፡ ሓረስቶትን ሓለፍቲ ሸቓሎን፡ ማሕበር ተቓውሞ ኣብ ምቋም ጽዑቕ ጻዕሪ ተኻየደ። ቀስ ብቐስ ፍሉጣት መራሕቲ ዝርከቡዎም፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ማርቆስ ደው ኢሎም ክብድሁ ዝኽእሉ ድልዱላት ተሓለቕቲ ተቐልቐሉ።

እቲ ቀደማይ ኣንጻር ኣረመናዊ መንግስቲ እተገብረ ተቓውሞ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ፈረኦን ኣወዳት ህጻናት ኣይሁድ ክቕተሉ ምስ ወሰነ፡ እተን ነደ ሙሴ ዘሕረሳ ኣንስቲ፡ ትእዛዙ ብምንጻግ ንሙሴ ሓቢኦም ካብ'ቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጸላሊዩ ዝነበረ ሓደጋ ሞት ኣድሒኖሞ። ጋንዲ ኮነ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ፡ ካብ ህይወትን ትምህርትን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ'ዮም ተማሂሮሞ።

ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ሓፈሻዊ ዓለም-ለኻዊ ተቓውሞ'ኳ እንተሎ፡ ገለ ሰባት ግና ነቲ ወሪዱና ዘሎ ክንጾሮ ይግባእ ኢሎም ይሓስቡ። ነዚ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ "ባሃላ ና" ማለት፡ "እቲ ነገር ከምኡ'ዩ፡ ከምኡ ከኣ ክቕጽል'ዩ።" ብምባል ይገልጹዎ። ካልኦት ከኣ ምልክነት ብጎነጽ ጥራይ ኢና ክነልግሶ እንኽእል ኢሎም ይኣምኑ። ሓደ ኣቡን ፊሊፒንስ ነዚ ኣመልኪቶም፥ "ኣነ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ እኣምን ነበርኩ፡ ይኹን'ምበር ማርቆስ ኣዚዩ ጨካን ሰብ'ዩ፡ ብደማዊ ሰውራ ጥራይ'ዩ ከልግስ ዝኽእል። እዚ ከኣ ካብ ዓሰርተ ዓመት ዘይውሕድ ብርቱዕ ቃልሲ ከድልዮ'ዩ።"

ፈርዲናድ ማርቆስ፡ ብሂትለር ደቡብ እስያ፡ ዝፍለጥ ጨካን ሰብ ነበረ። ኣብ 1965 ዓም፡ ብምርጫ ስዒሩ ኣብ ስልጣን ደየበ። ኣብ 1972 ዓም፡ ብኹነታት ጸጥታ ኣመኽኒዩ፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣወጀ። እታ ሃገር ነስታት ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ከላ፡ ኣስታት 30,000 ሰባት፥ ማለት ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ነቐፍትን ተሓለቕትን ተኣስሩ። ኣብ'ቲ እዋን፡ ሰበይቱ ኢሜልዳ ማርቆስ፡ ኣዝማዳን ድላያ ሰብን፡ ኣብ የርብሕ'ዩ፡ ኢላ ዝሓሰበቶ መንግስታዊ ትካላት ትሸይም ነበረት። ኢሜልዳ ልዕሊ ሽሕ ጽምዲ ጫማታትን ብዙሕ ሰማይ-ጠቀስ ህንጻታትን ትውንን ነበረት።

ዶር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኒየር፡ "ቀስቲ ጽንፈለኽ ነዊሕ'ዩ፡ ግና ኣብ ፍትሒ ገጹ ዝቐነነ'ዩ።" ይብል። እቲ ህዝቢ ሞት ሴኔተር ኣኲኖ፡ ነቲ ነዊሕ ዝገበረ ምልክነት ከልግስ ብልዑል ደረኾ። ሞት ኣኲኖ ቃልሲ ዘብቕዓሉ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ሓባሪ መገዲ ሓርነት ነበረ።

ኣብ 1985 ዓም፡ ማርቆስ ሃንደበት ነቶም ነቐፍቱ ምልካዊ ዘይምዃኑ ከርኢ ክብል፡ ህጹጽ ፖለቲካዊ ምርጫ ጸወዐ። እቲ ነንሕድሕዱ ኣዚዩ ዝተፈነጫጨለ ጉጅለ ተቓወምቲ፡ ብድሕሪ ሰይቲ መዋቲ ሴኔተር ኣኲኖ፡ ማለት ኮራዞን (ኮሪ) ኣኲኖ ደው በለ። ሓደ ሚሊዮን ደቂ ፊሊፒንስ ክድግፍዋ ምዃኖም ብኽታሞም ምስ ኣረጋገጹ፡ ኣንጻር ማርቆስ ክትወዳደር ተሰማምዐት። ቅድሚ ኣብ ምርጫ ዘመተ ምስታፋ ግና፡ ኣብ'ቲ ጉዳይ ጸሎት ክትገብረሉ ክትብል፡ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ጸሎት ስፍራ ተኣልየት። ብጫ መለለዪ ክዳን ተኸዲና፡ ኣብ ኩለን ደሴታት ፊሊፒንስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዚዩ ብዙሕን ብርቱዕን ደጋፊኣ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣካየደት። ብገለ ደገፍታ እቲ ብጫ ክዳን ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ከም ዝኽእል ምስ ተገለጸላ፡ "ኒኖይ ኣብ ዝሞተሉ፡ ፍርሀይውን ረሲዐዮ'የ!” ብምባል መለሰት። ብጫ ሕብሪ ዘለዎ ማልያ፡ ቆቢዕ፡ ባንዴራን ዝኣመሰለን፡ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ኣብ ፈቐዱኡ ጠልጠል በለ። ማርቆስ ተመኲሮ የብላን፡ ብምባል ምሰናሸዋ፡ ከም'ዚ ስዒቡ ብምባል መለሰት፥ "ማርቆስ ኣይተጋገየን። ኣነ ኣብ ምቕታል፡ ምሕሳውን ሃገረይ ምርሳይን ተመክሮ የብለይን።" ብኸምዚ ብቕዕቲ መራሒት ምዃና ኣመስከረት፡ ልቢን ቀልብን ብዙሓት ደቂ ሃገራ'ውን ማረኸት።

ዋላ'ኳ ማርቆስ፥ ምድንጋር፡ ምፍርራህን ጎነጽን እንተ ተጠቐመ፡ ሓይልታት ኣኲኖ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ብብሉጽ መገዲ ተግባራዊ ብምግባር፥ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ጸሎት ፕሮግራም፡ ኣብ ጥርዓናት ምጽሓፍን ኣብ ምርጫ ዝከታቱሉ ኣባላት ኣብ ምስልጣንን ተዋፊሮም ይዓዩ ነበሩ። ሰባት መጺኦም ዘዕርፉሉን ዝጽልዩሉን፡ "ቴንዳታት ቤት-ጸሎት" ተዳሊዩ ነበረ። ማርቆስ ነቲ ምርጫ ክሰርቕ ኣብ ዝፈተነሉ፡ እታ ሃገር ኣብ ጥርዚ ውግእ ሕድሕድ ቀሪባ ነበረት። ኣብ'ቲ እዋን ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ፡ ካርዲናል ጃዪሜ ሲን፡ ኣብ ራድዮ ቀሪቦም፡ ህዝቢ'ታ ሃገር ኣብ ጸሎትን ብፍቕሪ ኣብ ዝግበር ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞን ክሳተፍ ጻውዒት ኣቕረቡ። እቶም ኣብ ተቓውሞ ዝሳተፉ ሰባት ከኣ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣጽዋር ክመጹ ኣትሪሮም ኣተሓሳሰቡ። ከምኡውን ካርዲናል ሲን፡ ነተን ፈለስቲ፡ ምእንታን ካብ'ታ ሃገር ምልክነት ክእለይ፡ ጸሎትን ጾምን ክገብራ ከም ዝግባእ ሓላኒ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ። ጽባሒቱ ንግሆ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ዙርያ'ቲ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ዝወጹ ኣባላት ሰራዊት ዝተዓቖቡሉ ኣጒናልዶ ዝተባህለ መዓስከር ክእከብ ጀመረ። ኣጋ ፋዱስ ቁጽሪ እቶም ተቓወምቲ ኣስታት 100,000 በጺሑ ነበረ፡ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ፡ ኣስታት 250,000 ሰብ በጽሐ። ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት'ውን ጽባሒቱ ተወሰኹዎም።

ነቲ ምርጫ ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ሰላሳ ክኢላታት ኮምፒዩተር፡ ማርቆስ ብሓሶት ከም ዝተዓወተ ምስ ተገለጸ፡ ኮሪ ብገፊሕ ከም ዝሰዓረት ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ፡ ኣብ ህይወቶም ከጓንፍ ዝኽእል ሓደጋ ብዘየገድስ፡ ነቲ ስፍራ ሓዲጎሞ ወጹ። ፈለማ ተሓብኡ፡ ድሒሩ ምስ ዓለም-ለኻዊ ጋዜጠኛታት ብምርኻብ፡ ነቲ እተወሃበ ውጽኢት ምርጫ ብወግዒ ብምንጻግ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ምትላል ኣብ ቅድሚ ምሉእ ዓለም ኣቓልዕዎ። ኮሪ ኣኲኖውን፡ ኣንጻር'ቲ ብማርቆስ እተፈጸመ ምትላል ምርጫ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ፥ ማለት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ጸሎትን ሲቭላዊ ዘይተኣዛዝነትን ክትግበር ጸወዐት።

መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ጻውዒታ ምሉእ ብምሉእ ደገፍዎ። ኣቡናት ካቶሊኽ፡ እቲ ህዝቢ ኣንጻር ስርዓት ማርቆስ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ ከካይድ ክጽውዑ፡ ታሪኻዊ ውሳነ ኣሕለፉ። ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ'ቲ ስርዓት፡ ማለት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ፖንቼ ኢንሪሌን ተሓጋጋዚ ሓላፊ ሓይሊ ምድርን ኮማንደር ፖሊስን ዝነበረ ጀነራል ፊደል ራሞስን፡ ነቲ ስርዓት ምስ ጠለሙዎ – ከምኡውን ገለ ሒደት ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ወተሃደራት፡ ነቲ ገለ ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ፊሊፒንስ፡ ምእንቲ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝጠለሙ ጀነራላት ዋልታ ክኾኖምን እቲ ዝተኾነነ ስርዓት ከልግስ ክጠልብን፡ ኣብ ጎደናታት ናጻ ክኣቱ መገዲ ከፈቱሉ። ኣንስቲ፡ ኣሰብኡትን ቆልዑን፡ ሃብታምን ድኻን፡ ነቲ ኣብ ከተማ ማኒላ፡ እቶም ነቲ ስርዓት ዝተቓወሙ ኣዘዝቲ ዝተዓቖቡሉ መዓስከር ኣካበቡዎ። እቲ ጎደና ብጥምቀት ቅዱሳን ይፍለጥ ነበረ። እቶም ነቲ ስርዓት ዝተቓወሙ ኣዘዝቲን ገለ ወተሃደራትን ከጥቕዑ ዝተላእኩ ኣባላት ሰራዊት፡ እቲ ኣብ ጎደናታት ዘሎ ህዝቢ እናዘመረን እናጸለየን፡ ኣብ'ቲ "ሰውራ ስልጣን ህዝቢ" ክጽምበሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ናጻ መደብር ፈነወ ራድዮ'ውን፡ ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ፡ ብቐጻሊ መምርሒ የመሓላልፍ ነበረ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትምህርትታት የሱስ፡ ዛንታታት ጋንዲን ኪንግን፡ ብመገዲ ራድዮ ተመሓላለፈ። እቲ ዝመሓለለፍ እዋናዊ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝቢ እንታይ ኩነታት ይካየድ ኣሎ፡ ብግቡእ ክፈልጥ ጌሩዎ ነበረ። እቲ ህዝቢ ብሰሪ'ቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምመያ ሓበሬታ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ጸልማት ጸኒሑ ነበረ፡ ስለዚ ኣብ'ቲ ንጹር ሓበሬታን ምትብባዕን ዝረኽበሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊኽ ዝመሓደር፡ መደብር ፈነወ ራድዮ ቨሪታስ ይሰምዕ ነበረ። እቲ መመሓላላፊ ፈነወ ራድዮ ብሓይልታት እቲ ስርዓት ምስ ዓነወ፡ እቲ መደብ ኣብ ቐረባ ብዝተረኸበ ፍሪክዌንሲ ቀጸለ። ኣባላት ሓይሊ ኣየር፡ ነቲ እቶም ስርዓት እተቓወሙ ኣባላት ተዓቚቦሙሉ ዝነበሩ መዓስከር፡ ብቦምባ ክሓርሙ ኣብ ዝተላእኩሉ፡ ብህዝቢ ተኸቢቡ ምስ ርኣዩዎ፡ ንሶም'ውን ነቲ ስርዓት ረጥሪጦም ሰለሙ። ኣብ'ቲ እዋን ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ ከም'ዚ ስዒቡ ዘሎ በለ፥ "እዚ ሓዲሽ ነገር'ዩ። ኣብ ክንዲ ወተሃደራት ነቲ ሲቭል ህዝቢ ዝሕልውዎ፡ በንጻሩ እቲ ሲቭል ህዝቢ ነቶም ወተሃደራት ይከላኸለሎም ኣሎ።"

እቶም ነቲ ተቓውሞ ደው ከብሉ እተላእኩ ቦጦሎኒታት፡ እቲ ህጻናትን ሽማግለታትን፡ ኣንስትን ኣሰብኡትን ዝርከቡዎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝቑጸር ህዝቢ፥ ብጸሎት፡ ከምኡውን ዕምባባ፡ ባኒ፡ ኩባያ ዝሑል ማይ፡ እምቦቲቶን ካራመላን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ መስቀልን መቑጸርያን ሒዙ፡ ነቲ ናጻ ዜጋታት ፊሊፒንስ ክጽምበርዎ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ብምምሕጻን ይቕበሎም ነበረ። ኣቕሽሽትን ደናግል ፈለስትን፡ ምስ'ቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቶም ክጥሕንዎም ዝመጹ ዝነበሩ ታንክታት፡ ተንበርኪኾም ጸሎት መቑጸርያ እናገበሩ፡ ደው ክብሉ ይምሕጸኑዎም ነበሩ። ከምኡውን ታንክታት ስርዓት ማርቆስ ኣብ ዝመጹሉ፡ እቲ ህዝቢ ብሓሙሽተ መስርዕ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ፡ ኣብ ቅድሚ'ቶም ወተሃደራትን ታንክታትን ተገቲሩ ደው ይብል ነበረ።

ደቂ ናጻ ፊሊፒንስ ጉጅለታት ኣቚሞም፡ ኣብ ማእከሎም ኣገልገልቲ እቲ ስርዓት ሰሊኾም ከይኣትዉ የጻርዩ ነበሩ። እቲ መደቦም ኣብ ምትግባሩ ቀሊል ነበረ፥ ማለት ኢድ ንኢድ ከም ቀለበት ምትሕሓዝ፡ መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙ ኣብ ታሕቲ ገጽካ ምውዳቕ፡ ዘይምጉያይ፡ ከምኡውን ብዕላማ ከይተወላወልካ ትኽ ኢልካ ምጉዓዝ ነበረ። ጋዝ ትኪ ኣብ ዝስንደወሉ፡ እቲ ቀዳማይ መስርዕ ተበቲኑ፡ በቶም ዳሕረዎት ይትካእ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ'ቲ ቤተ-መንግስቲ እምኒ ይስንደው ኣሎ ምስ ተሰምዐ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብቕጽበት ኣብ'ቲ ስፍራ ከይዶም ደው ከም ዝብል ገበሩዎ።

እቲ ዕስራ ዓመት ዝገበረ ምልክነት፡ ኩሉ ዝድግፎ ዘበለ ሓይሊ ከም ዝበረሰ ምስ ተዓዘበ፡ ማርቆስ ምስ ስድራ-ቤቱን ቀረባ ኣማኸርቱን ዓዲ ገዲፎም ሃደሙ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ'ቲ ምርጫ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ወደቐ። ኮራዞን ኣኲኖ ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ስልጣን ደየበት።

ኣኲኖ ፕረዚደንት ምስ ኮነት፡ ኣብ ፈለማ መደረኣ፡ ከም'ዚ ስዒቡ ዘሎ በለት፥ “ነቲ ፋሕ ከብሎምን ነቶም ዝራሕርሕዎ ኣባላት ሰራዊት ከጥፍእን ዝመጸ ብርቱዕን ዘርዕድን ሰራዊት ኲናት፡ ኣብ ቅድሚ'ቲ ታንክታቱ ዝንቀሳቐሱሉ መገዲ ብምንብርካኽን ብምሕዝነት ከም ዘህደኦን፡ ዓለም ርእዩን መዝጊቡዎን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ሕስረት ኣብ ልዑል ክብረት ክድይብ፡ ምሉእ ዓለም ተዓዚቡ ብምግራም መስኪሩሉ'ዩ።"

ፈርዲናድ ማርቆስ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ግዝኣት ሃዋይ፡ ተዓቚቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከይደንጎየ ኣብ 1989 ዓም ዓረፈ። ንሱ ምስ ሞተ፡ ብፍቓድ ፕረዚደንት ኮራዞን ኣኲኖ፡ ሰበይቱ ኢሜልዳ ማርቆስ ምስ ደቃ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ተመልሰት። ኣብ ፓለቲካዊ ንጥፈታት ከም ድሌታ ብምስታፍ'ውን፡ ኣብ'ዚ እዋን ኣባል ባይቶ ብምዃን ተገልግል ኣላ።።

ኮራዞን ኣኲኖ ክሳዕ 1992 ዓም፡ ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ኮይና ኣገልጊላ፡ ዋላ'ውን ኣብ 1987 ዓም፡ ዝተዳለወን ዝጸደቐን ሕገ-መንግስቲ፡ ዳግም ፕረዚደንት ክትኮኒ ክትወዳዳሪ የፍቕደልኪ'ዩ፡ ኢሎም እንተ መኸሩዋ፡ ንሳ ግና ኣገልግሎተይ ብመሰረት 1965 ዓም፡ ዝነበረ ሕጊ'ዩ፡ ብምባል፡ ከምኡውን ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ዕድሜኻ ልክዕ እትወሃቦ ስልጣን ዘይምዃኑ ንዜጋታትን ፖለቲከኛታትን ክተርኢ፡ ኣብነት ብምዃን ነጺጋቶ። ብሰላማዊ መገዲ ብፕረዚደንት ፊደል ራሞስ ተተኪኣ'ውን፡ ኣብ ሲቪላዊ ህይወታ ተመልሰት።

ኮሪ፡ ኣብ ሲቭላዊ ህይወታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም-ለኻዊ መድረኻት፥ ተሓላቒት ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ምዕባለ ደቅንስትዮን ብምዃን ኣገልጊላ። ኣብ 2009 ዓም፡ ብምኽንያት ሕማም ካንሰር ዓሪፋ። ካብ 2010 ዓም፡ ኣትሒዙ'ውን፡ ወዳ ቤኒኖ ኣኲኖ ሳልሳይ ኣሰራ ብምስዓብ፡ ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ኾይኑ የገልግል ኣሎ።

- ብመ

ዲትሪች ቦንሆፈር - ጀርመን

ዲትሪች ቦንሆፈር ኣብ 1930'ታት ዓም ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሊን ፕሮፌሰር ስነ-ሃይማኖት ኮይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ'ቲ እዋን ጀርመናውያን ኣመንቲ ክርስትና፡ ኣብ ስነ-ሓሳብ ሂትለር ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነበሩ። እቲ ሓደ ጉጅለ ምስ ሂትለር ብምሕባር፡ "ጽሩይ" ጀርመናዊ መንነት፡ ዝብል ፍልስፍና ናዚ ክውን ክኸውን ይብህግ ነበረ። እዚ ወገን፡ ብወግዒ ንሂትለር ዝድግፍን ዝኾነ ኣይሁዳዊ ዘርኢ ዘለዎ ሰብ ቦታ ከይወሃቦ ብትሪ ዝክልኽልን፡ ብቤተ-ክርስትያን ጀርመን ዝፍለጥ መስረተ። ቦንሆፈር ግና፡ ምስ'ቶም ሂትለር ዘምጽኦ ኣንጻር ኣይሁዳውነትን ብጀርመን ጥርኑፋውነት ዝፍለጥ ስነ-ሓሳብን ዝቓወሙ ነበረ። ምስ ካልኦት ኣሕዋት ብምትሕብባር ከኣ፡ ምስ ብሳልሳይ ሪች ዝፍለጥ ራእይ ሂትለር ፍጹም ዘይሳነ፡ ብሕቡእ ዝንቐሳቐስ ማሕበር ክርስቶስ ኣቖመ። እዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ውሳነ ነበረ። ብሰንኪ'ዚ ቦንሆፈር ኣብ 1937 ዓ.ም. ካብ ስርሑ ተሰጎገ። ኣብ ከተማ ለንደን ሃዲሙ ድማ ኣምለጠ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግና፡ ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተዋጠረ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣዚዩ ፍሉጥ ዝኾነ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ሴሚናሪ፡ ፕሮፌሰር ስነ-ሃይማኖት ኮይኑ ክምህር ዝተወሃቦ ፍሉይ መጸዋዕታ ክቕበል፡ ወይ ኣብ ሃገር ጀርመን ተመሊሱ፡ ነቶም ምስ ፍልስፍና ሂትለር ዘይቃደዉ፡ ኣባላት'ቲ ብሕቡእ ዝንቐሳቐስ ማሕበር ክርስትና ጠርኒፉ ክመርሕ ነበር። ንዕኡ ብቐሊሉ ክምችኦ ዝኽእል ኣማራጺ ምውሳድ፡ እምነቱ ከንቱ ዝገብር ኾይኑ ተራእዮ። ኣብ ሃገረ ጀርመን ድማ ተመልሰ። ኣብኡ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባራት ሂትለር ጥርዚ በጺሑ ጸንሖ። በዚ ምኽንያት ነቲ ብዘይ-ጎነጽ ዝብል መትከሉ ደው ኣቢሉ፡ ሂትለር ብሓይሊ ኣብ ምልጋስ ኣብ ዝተገበረ መደብ ተሳተፈ። እቲ ፈተነ ስለ ዝፈሸለ ግና፡ ኣብ 1943 ዓ.ም. ተኣስረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ እሱራት፡ ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ክርስትና ብንጥፈት የገልግሎም ነበረ። ኣብ 9 ለካቲት 1945 ዓ.ም. ከኣ፡ ብኣምባገነናዊ ጉጅለ ናዚ ስጉምቲ ሞት ተወስዶ።

ኣብ'ቲ ኩሉ እዋን፡ ቦንሆፈር ቀንዲ ዘሕምሞ ዝነበረ ጉዳይ፡ ብኸመይ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና፡ ሂትለር ዝመርሖ ክፉእን ጨካንን ራእይ፡ ብልቢ ክቕበሉዎን ክድግፉዎን ከም ዝኸኣሉ ነበረ። እቶም ስም ክርስቶስ ዝተሸከሙ፡ ብኸመይ ንክርስቶስ ክኽሕዱዎ ይኽእሉ፧ ብኸመይ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣይሁዳውያን ኣመንቲ ክርስትና ከይሳተፉዎ ዝክልኽል ቤተ-ክርስትያን ደው ኢሎም ጸሎቶም የዕርጉ፧ ቦንሆፈር ብስም ጥራይ ሃይማኖተኛ ምዃን ኸንቱ ምዃኑ ኣረድኦ። ሓደ ሰብ ዋላ'ውን ብፍቕሪ የሱስ ተቓጺለ እንተ በለ፡ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ጸሎት እንተ ገበረን ኣብ ሰንበት ብምሉእ ስምዒት እንተ ዘመረን፡ ንሱ ጥራይ ኣዕጋቢ ኣይኮነን፡ ማለት'ዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ እንኮ መዐቀኒ ደረጃ መንፈሳውነትና፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ከመይ ንነብር ኔርና ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ምሉእ ህይወትና ብኸመይ ንካየድ ነበርና'ዩ። ኣብ መጨረሽታ ዓቐን ደረጃ መንፈሳውነትና፡ ኣብ'ዛ ዓለም ስለ እወንታዊ ረብሓ ካልኦት ኣሰብኡት፡ ወይ ኣንስቲ ክንብል ምንባር'ዩ።

ምንጪ፥ ካብ ዝተፈላለየ ዛንታታት ቦንሆፈር ዝተወስደ

- ብመ

ይቕጽል

Back to the blog